ከመይ ኣሎኹ?
ኣዝማደይ/መቕርበይ ከመይ ኣለዉ?
ኣብ ስዊስ ናብራ ጽቡቕ ንክስምዓኒ: እንታይ ክሕግዘኒ ይኽእል?
- ነብሰይ ክቕበላ
ዝኾነ ሰብ ፍጹም ኣይኮነን
ነብሰይ ከምታ ዘላታ ክቕበላ ክንብል ከለና፡ ኩሉ‘ቲ ሓያል ጎንታተይ ይፈልጦን ይጥቀመሉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነዓይ ዘዕግበኒ ነገር እውን ኣጸቢቐ ይፈልጦ። ኣካላተይን ምልክታተይን ብድሌት ክቕበሎን ውሕስነት ክህቦን ይኽእል እየ። ስምዒታተይ ድማ ስለዘለልዮም ነዓይ ዝሰማምዑኒ ውሳኔታት ክገብር ይኽእል እየ። ፍልጠት ሓያል ጎንታተይን ክእለተይን ከኣ ነቶም ድኽመታተይን ጌጋታተይን ክፋል ናተይ ብምዃኖም ክቕበሎም ኣብቂዑኒ። ንባዕለይ ምዃን ማለት ከኣ ዋላ ካልኦት ደስ ኣይበሎም ንነብሰይ ይሓስበላ ማለት‘ዩ። እዚ ከኣ ሓቦ የድልዮ። ግን ከኣ ዶባተይ ኣበይ ምዃኖም ይፈልጥ‘የ ወይ ድማ ኣየኖት ነገራት ይጠቕሙኒ ኣየኖት ይጎድእኒ ኣለለዮም እየ።
ሓሳባት/ርእይቶ
- ኣብ ሓያል ጎነይ ደኣምበር ኣብቲ ድኹም ጎነይ ኣየድህብን እየ። ኣብ ምንታይ እየ ኣነ ምስ ነብሰይ ዕጉብ፧ ኣብ ዝምድናይ ከ እንታይ ዘዕግቡኒ ነገራት ኣለው፧ ኣብ ስርሐይ‘ከ እንታይ ዘዕግቡኒ ኣለው፧ ሎሚ እንታይ ኣሎ ዝገበርክዎ ከሐጉሰኒ ዝኽእል፧
- ሓደ ሓደ እዋን ዝገብሮ ጌጋታት ተመሊሱ የስሕቐኒ‘ዩ፧
- ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምዝራብ
ብዙሓት ነገራት ብዝርርብ እዮም ዝጅመሩ
ብዛዕባ ዝኾነ ዘገድሱ ነገራት ምዝራብ፡ ምስማዕ፡ ምውጋን፡ ምንጻር፡ ምስታፍ፡ ምግላጽ- ጸቕጥን ወጥርን ንምቕናስ ይሕግዝ። ንሰብ ግዳይን ፈተውቶምን ብዛዕባ ስክፍታታቶም ክዛረቡ ቀሊል ኣይኮነን። እንተደኣ ብዛዕባ ጸገማተይ ምስ ካልኦት ሰባት ክዛረብ ክኢለ ግና፡ መብዝሕትኡ ግዜ ነገራት ብኻልእ ዓይኒ ክርእዮም ወይ ፍታሕ ክረኽበሎም ተኽእሎታት ኣሎ። ሓጎስን ጓሂን ንሓድሕድና ክንካፈል ባህርያዊ ጠባይ ናይ ወድሰብ እዩ።
ሓሳባት/ርእይቶ
- ሎሚ ምስ ሰብ ብዛዕባ ውልቃዊ ጸገማተይ ክዛረብ ግዜ ወሲደ‘ዶ፧
- ምስ ዝሓዝን ወይ ምስ ዝሕጎስ ንመን ከካፍሎ ይኽእል? መን‘ከ ክሰምዓኒ ይኽእል፧
- ካብ ነዊሕ እዋን እንታይ እዩ ኩሉ ግዜ ዘሕርቐኒን ሓይለይ ዝውደኣለይን፧ ንመን‘ከ ብዛዕባ‘ዚ ሕርቃነይ ከካፍሎ ይኽእል፧
- ንጡፍ ምዃን
ምንቅስቓስ ምዝውታር
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዕለታዊ ተጽዕኖ፡ ታህዋኽን ልዕሊ ዓቕሚ ኩነታት ዘለዎ መነባብሮና ከም መነከዪ ጸቕጢ ይጠቅም። ከም ልሙድ ሰብ ምንቅስቓስ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ። ከም ግቡእ ወድሰብ እንተወሓደ 2½ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ብመልክዕ መዓልታዊ ንጥፈታት ወይ ስፖርት ክንቀሳቐስ ይግባእ። እዚ ማለት ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ካብ 10 ደቒቕ ንላዕሊ ዝኾነን መትንናን ምስትንፋስን ብመጠኑ ዝቐልጠፈ ዓይነት ምንቅስቓስ ክኸውን ኣለዎ።
ሓሳባት/ርእይቶ
- ኣብ ሂወተይ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ምንቅስቓስ ግዜ ኣሎ‘ዶ?
- ከም ምሕንባስ፡ ኣብ ጫካ ምኻድ፡ ምጉዓዝ፡ ምስዕሳዕ ወዘተ – ደስ ይብሉኒ ድዮም፧ ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጫካ ብምኻድ ሓንጎለይ ዘየሐድስሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧
- ሎሚ ደስ እንዳበለኒ ተንቀሳቒሰ‘ዶ፧ ዋላ‘ውን ኣብ ጀርዲን ምዕያይ ዕጋበትን ሓንጎል መሐደስን እዩ።
- ሓድሽ ነገር ምምሃር
ምምሃር ማለት ሓደስቲ ነገራት ምፍላጥ‘ዩ!
ሓዲሽ ነገር ምምሃር ማለት፡ ካብ ዕለታዊ ገልታዕታዕ ኣውጺኡ ልዑል ድሪኺታትን ስምዒት ነብሰ-ክብረታትን ዝህቡኒ ነገራት ምፍላጥ ማለት እዩ። ሓዲሽ ፍልጠት ክቐስም ድሉው ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ውልቃዊ ሂወቱ ኮነ ኣብ ሞይኡ፡ ቀጻሊ ምዕባለ ክርኢ ዝደሊ ሰብ እዩ። ሓድሽ ፍልጠት ንሓንጎል ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሙሉኣት ህዋሳት እንኮላይ ዝምልከት እዩ። ስለዚ ሓደስቲ ነገራት ምፍታን ወይ ኣፍልጦ ምድላይ ዶንጒኻ ዝበሃለሉ ጉዳይ ኣይኮነን።
ሓሳባት/ርእይቶ
- እንታይ ክመልኽ ይደሊ፧ እንታይ‘ከ ኣሎ ንኸይክእሎ ዝኽልክለኒ፧ ስለምንታይ ናይ ሳዕስዒት ትምህርቲ ዘይጅምር፡ ናይ ተኒስ ጠረጴዛ ልምምድ ዘይከይድ ወይ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ ናውቲ ዘይፍትን፧
- ተውህቦይን ክእለተይን ኣየኖት እዮም፧ ብኸመይ ክጥቀመሎም ይኽእል፧
- ኣየኖት ኣገባባት ፍልጠት እዮም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሂወተይ ክሕጉዝኒ ዝኸኣሉ፧
- ምስ የዕርኽቱኻ ኩል ግዜ ምርኻብ
ዕርክነት ኣገዳሲ‘ዩ
ምስ የዕሩኽተይ ይፎኽሰኒ እዩ፡ ብዛዕባ ኩሉ ድማ ከዕልሎም ይኽእል። ውሽጣዊ ዕላልና ድማ ንዓና ንሕዞ ወይ ንዘይምልከቶ ኣይንዛረበሉን። የዕሩኽተይ ጸቕጢ ክገብሩለይ ኣይደልን‘ኳ እንተኾንኩ፡ ምስ ዝደልዩኒ ግን ኣብ ጎኖም ኣለኹ ኩሉ ግዜ። የዕሩኽተይ ክቃወሙንን ከም ኣነ ክቕበሉንን ይኽእሉ እዮም።
ሓሳባት/ርእይቶ
- መነባብሮይ ንሓቀኛ ምሕዝነት ግዜ ዝህብ ድዩ፧
- «ቀንዲ መሓዛ» ወይ «ቀንዲ ዓርኪ» ኣሎ‘ዶ፧
- ካብ መሓዛይ ወይ ዓርከይ እንታይ ይጽበ፧
- ኣብ ዕርክነት ከበርክቶ ዝኽእል እንታይ‘ዩ፧
- ምስ መን ነጻ ጊዘይ ከሕልፍ ይደሊ ምስ መን‘ከ ኣይደልን፧
- ምሕዝነተይ ተሌፎን ብምድዋል ወይ SMS እንዳጸሓፍኩ ይከናኸኖ።
- እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ባዕለይ ወሲደ ነዊሕ ዘይራእክዎም ናይ ቀደም የዕሩኽተይ ይድውል።
- ምርግጋእ
ተረጋጊእካ ሓይልኻ ምሕዳስ
ኣተሓሳስባና ብቀጻሊ ብዝውሕዙ ስእልታት ፥ሓሳባት ፤ከምኡውን ህልው ኣጋጣሚታት ዝተጸልወ እዩ። ስለዚ ከኣ ድሕሪ ንጡፍ ፍጻሜታት ኣብ ገለ እዋን ምርግጋእን ዕረፍትን የድሊ። እንተደኣ ተረጋጊእና ጽቡቕ ይስመዓና፡ ረብሻ የብልናን ንቑሓት ከኣ ንኸውን። ዝተረጋገአ ሰብ ንነብሱ ኮነ ንኻልኦት ብዝሓሸ ክግምግሞምን ተረጋጊኡ ውሳኔታት ክገብር ይኽእል። መረጋግኢ ኣብ ኩሉ ይርከብ። ዝኽፈሎ ዋጋ ድማ የብሉን።
ሓሳባት/ርእይቶ
- ኣብ ዕለታዊ መነባብሮይ ኮነ ኢለ ክረጋግኣሉ ዝኽእለሉ ቦታ ኣለኒ ድዩ፧
- ምልስ ኢለ ምስ ነብሰይ ክላዘበሉን ቀሲነ ከዕርፈሉን ዝኽእል ቦታ ኣሎ`ዶ፧
- ኣበየናይ ኩነታት ክረጋጋእ ይኽእል ወይ «ንግዚኡ ኩሉ ክርስዖ» ይኽእል፧ ሙዚቃ ብምስማዕ፡ መዲተሽን፡ ኣብ መናፈሻ ብምኻድ፡ ዮጋ ወይ ምስኣል የድልየኒ ድዩ፧
- ተወሓደ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ንምርግጋእ ኢለ ናብ ስራሕ ብእግረይ ክኸይድ‘ዶ ይኽእል፧
- ሓገዝ ምድላይ
ሓገዝ ንምድላይ ትብዓት ይሓትት።
ሓገዝ ዝሓትት ሰብ ብርትዐ ደኣ‘ምበር ድኽመት ኣይኮነን ዘርኢ። እንድሕር ንገለ ሰባት ልበይ ሂበዮም ክሕግዙኒ ዝኽእሉ ሰባት ኣለው። ሓገዝ ስለ ዝደለኹ ድኹም ሰብ ኣይኮንኩን። ሓገዝ ምድላይ ማለት ምትእምማን ማለት‘ዩ በቲ ሓደ ወገን። በዚ ኣገባብ ከኣ ብንጥፈት ክምክቶን ስምዒታተይን ስክፍትታተይን ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ክኾኑን ኣይክእሉን። ኣብ ፍሉይ ከበድቲ ኩነታት ድማ ኣብቲ ቀንዲ ሓይልኻ ምቱኳርን ዝተረፉ ዕዮታት ምርጋፍን ሓገዝ ምድላይን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። እዚ ከኣ እምነት ንኻልኦትን ብኻልኦትን የጥሪ።
ሓሳባት/ርእይቶ
- ሓገዝ ምስ ዝደሊ ከም ዝረክብ ክተኣማመን ይኽእል ድየ፧
- ካልኦት ሰባት ሽግራት ካብቲ ናተይ ዝፍለ ኣገባብ ጌሮም ብምፍትሖም ክቕበሎ ይኽእል ድየ፧
- ሓገዝ ክደሊ ከለኹ‘ኸ ናይ ደገፍ ስምዒታት ይፈልጦም ድየ፧
- ንሳቶም ሞያዊ ሓገዝ ዘአንግዱ እንተኾይኖም: «መዓስ‘የ ንመጨረሻ እዋን ክሕግዙኒ ዝደለኹ፤
- ናብ መን እሙን ሰብ ክኸይድ ይኽእል ሓገዝ ምስ ዝደልይ፧
- ምጥባብ
ጥበብ ኣብ ነፍስ-ወከፍና ኣላ!
ብዙሓት ሰባት ብቓላት ክገልጽዎ ዘይክእሉ ድሌት፡ ምንዮት፡ ፍርህን ሓሳባትን ኣብ ውሽጦም ኣለዎም። ብናይ ጥበብ መግለጺ ግና ከም ስእሊ፡ ሙዚቃ፡ ምዝናቕ፡ ምኽሻን፡ ኣትክልቲ ብምትካልን ካልኦት ኣገባብን ስምዒታቶም ከርውዩን ክገልጹን ይረኣዩ። ስለዚ ስነ-ጥበብ ንዘጻብቡ ጸቕጢ የፋዂስ። በዚ መሰረት ከኣ ክረጋጋእን ሓይሊ ክድልብን ይኽእል።
ሓሳባት/ርእይቶ
- ስነ-ጥበብ ንምዝውታር ቦታ ይርከብ ድዩ፧
- ናተይ ትምኒት ምስ ዓበኹ እንታይ‘ዩ፧ ማያዊ ኣካላት ምስኣል፧ ጊታር ምጻወት፧ ጀርዲን ምኹስኳስ፧ ትምህርቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ምኻድ፧
- ምስታፍ
ደቂ-ሰባት ማሕበራዊ ኣካላት እዮም።
ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ምዃን ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ናይ ሂወት ተመክሮ እዩ። ሕብረት ሓቦ ንምትእኽኻብ ትደሊ። ተሳታፍነት ማለት ከኣ፡ ንዓይ ኣገደስቲ ዝኾኑ ትምኒታት፡ ድሌታት፡ ክእለት፡ ፍርሂን ተስፋን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ምትግባር ማለት‘ዩ። ሓባራዊ ናብራ ሓቢርካ ምንባር ማለት ነዓይ፡ ብፈተውተይ ይድገፍን ንፈተውተይ ይድግፍን ማለት‘ዩ።
ሓሳብ/ርእይቶ
- ኣበየናይ ጉጅለ ክኸውን ይፈቱ፧
- ዝኾነ እኩብ፡ ማሕበር፡ ክበብ ወዘተ ክሳተፈሉ ዝኽእል ኣሎ ድዩ፧
- መጀመርያ ናብ ማሕበራት ንኽኸይድ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧ መን ኣብኡ ክሕግዘኒ ይኽእል፧
- ንመጨረሽታ ግዜ መዓስ‘የ ኣብ ዓቢ ፌስታ ዝተሳተፍኩ፧
- ተስፋ ዘይምቑራጽ
ቅልውላው ሂወት ምምካት
ስምዒታት ከም ስንባደ፡ ሓዘን ከምኡ ድማ ዘጨንቑ ሕሉፍ ኩነታት ንምርስዖም ግዜ ይሓቱ እዮም። ስለዚ ድማ እዚ ግዜ ክትጥቀመሉን ኣብ ከቢድ ኩነታት ንኻልኦት‘ውን ግዜ ክትህብን ኣገዳሲ እዩ። ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ምስ ዝኸውን ግና ኣብቲ ኣገዳሲ መስርሕ ምንባር (ከም ኣመጋግባ፡ ጥዑም ኣየር ምትንፋስ፡ ድቃስ፡ ምንቅስቓስ) ምቱኳር ኣገዳሲ እዩ። ንበይነይ ዝኾነሉ ምኽንያት ዋላሓንቲ የልቦን። ኣብ ከምዚ ከቢድ ኩነታት ናይ ክኢላታት ሓገዝ ክሓትትን ክቕበልን ሕጋዊ መሰለይ እዩ።
ሓሳባት/ርእይቶ
- «ናይ መድሕን ባእታታት» ኣብ እዋን ቅልውላው ይረክብ ድየ፧
- ተስፋ ናይ ምንባር ዝቖረጹ ሰባት ይፈልጥ ድየ፧
- ኣብ እዋን ቅልውላው ሞያዊ ሓገዝ ይርከብ ድዩ፧
- እንታይ ነገራት እዮም ኣብ ግዜ ቅልውላው ጽንዓት ዝህቡኒ፧
ደገፍ ወይ መሰንይታ ሓገዝ ኣብ እትደልይሉ: እዘን ዝስዕባ ናይ ደገፍሞያዊ ትካላት ይሕግዛኹም
- ዞባ ማእከላይ መሬት በርን ኤመንታል:ኦቨርኣርጋው: Isa Bern: 031 310 12 72
- ዞባ ቢል:ሰላንድ:በርነር ዩራ: Multimondo Biel: 032 322 50 20
- ዞባ ቱን:በርነር ኦቨርላንድ: KIO Thun: 033 223 50 75